Close sites icon close
Search form

Search for the country site.

Country profile

Country website

ምቕናስ ንUNHCR ዝወሃብ ዝነበረ ምወላ ዓለማዊ ባጀት ኣብ ስራሕ ቤት ጽሕፈት እስራኤል ዘለዎ ጽልዋ

ምቕናስ ንUNHCR ዝወሃብ ዝነበረ ምወላ ዓለማዊ ባጀት ኣብ ስራሕ ቤት ጽሕፈት እስራኤል ዘለዎ ጽልዋ

12 May 2025

ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት )UNHCR( ብሰንኪ ቀጻሊ ምንቁልቋል ዓለማዊ ቁጦባዊ ደገፍ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ተራእዩ ዘይፈልጥን ፈታኒን እዋን ኣጋጢሙዎ ኣሎ። እዚ ማለት ብዓለም ደረጃ ቅልውላዋትን ኣድላይነት ቤት ጽሕፈትን እናወሰኸ እኳ እንተመጸ፡ ንኹሎም ንምድጋፍ ዘኽእሉ ገንዘቡ ግን ውሑድ እዩ። ብመንጽር ክብደት ቁጠባዊ ቅልውላው፡ UNHCR ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኩሉ ንጥፈታቱ፡ እንተላይ ኣብ እስራኤል ዝተሓላለኸ ለውጢ ክገብር ይግደድ ኣሎ፡ እዚ ድማ ዋላ እኳ ብዝተፈላለየ መንገዲ እንተኾነ፡ ቀንዲ ዕማማት ናይቲ ትካል ብጉቡእ ንምፍጻም እዩ።

ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እስራኤል(UNHCR) ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ንሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ምሕጋዝ ማእከላይን ፍሉይን ተራ ተጻዊቱ’ዩ ክቕጽል እውን እዩን። ይኹን እምበር ብሰንኪ እዞም ሓድስቲ ብድሆታት እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ እስራኤል ንዝካየዱ ፕሮጀክትታት ምድጋፍ ደው ከብልን ብዝሒ ሰራሕተኛታቱ ከጉድልን ተገዲዱ ኣሎ። እዚ ለውጢ ካብ ሓምለ 2025 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ ንኹሎም መሻርኽቲ ኣካላት ክቐርብ እዩ።

ኣብ እስራኤልን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለምን ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ፡ ዓቕሚ UNHCR ምስቲ ኩነታት ንምትዕርራይን ህላወኡ ንኽቕጽል ንምኽኣልን ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣዝዮም ህሱያት ማሕበረሰባት ህይወት ዘድሕን ሓገዝን ሓለዋን ንምሃብ ንምኽኣል ዝተገብረ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኩነታትን ትርጉሙን ዝያዳ ንጹርነት እናረኸብና ምስ ከድና ዝያዳ እዋናውን ሰፊሕ ዝበለን ሓበሬታ ምሃብ ክንቅጽል ክንክእል ኢና።