እዋናዊ ምልክታ ብዛዕባ ምቅይያር ንጥፈታት UNHCR ኣብ እስራኤል
እዋናዊ ምልክታ ብዛዕባ ምቅይያር ንጥፈታት UNHCR ኣብ እስራኤል
እዚ ምልክታ’ዚ ብዛዕባ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መላእ ዓለም ንUNHCR ዝጸሉ ዓለማዊ ቁጠባዊ ቅልውላው፥ ዘጋጠመ ምቕናስ ሰራሕተኛታት ኣብ ቤት ጽሕፈት UNHCR እስራኤልን ናብ ውሱን ናይ ውሽጢ ዓዲ ሰራሕተኛታት ምስግጋርን ብ7 ግንቦት ዘውጻእናዮ መልእኽቲ መቐጸልታ እዩ።
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብምቕጻል ካብ ሰሉስ 1 ሓምለ 2025 ጀሚሩ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ጎደና ሃኻሽሞናይም 119 ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ዕጹው ምዃኑ ንኩሉ ህዝቢ ክንሕብር ንፈቱ። ብተወሳኺ ህዝባዊ ምቕባል ኣጋይሽ ደው ከም ዝብልን ናይ ቴሌፎን ኣጎልጉሎት ሰዓታት ከምዘይህሉን ንሕብር።
ኣብዚ እዋን እዚ ብቑጽሪ ተሌፎን ቤት ጽሕፈት ወይ ኢመይል ሰብኣዊ መልሲ ምርካብ ኣይክከኣልን እዩ።
ንኣብ እስራኤል ዝርከቡ ማሕበረሰባት ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝኸውን ክህሉ እዩ፧
ቁጽሪ ተሌፎንና 03-6376500 ናይ ድምጺ መልእኽቲ (ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ምስዚ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ሓደ እዩ)፣ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ከቕርብ እዩ።
ክሳብ ሽዑ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታና ክትውከሱ ንመክር: https://www.unhcr.org/il/
ብተወሳኺ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ሓበሬታ ዝሓዘለ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ HELP-Israel ዝበሃል ኣቑሚና ኣለና፡ ዕላምኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ህይወት፡ ንሓገዝ ንመን ምውካስ ይካኣል ሓበሬታ ኣብ ምድላይን ምርካብን ምሕጋዝ እዩ። እቲ መርበብ ሓበሬታ በዞም ስዒቦም ዘለዉ ቋንቋታት ተዳልዩ ይርከብ።: እንግልሽ, ዓረብ, ትግርኛ ዩክሬን. ኣድራሻ መርመብ ሓበሬታ HELP: https://help.unhcr.org/israel/ti/
ብርግጽ ኩሎም ህሉዋት ኣገልግሎታት: ከም ትካላት ረድኤት: ምምሕዳራት ከባቢ: ከምኡውን ቤት ጽሕፈታት ድሕነትን እውን ይርከቡ። ብዛዕባኦም ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ HELP ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዝሓቖፈት ጉጅለ ንእሽቶ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትምዘዝ እያ። ብዛዕባ እዚን እታ ንእሽቶ ቤት ጽሕፈትን ብኸመይን ከምን እትሰርሕን ዝገልጽ ምልክታ ቀጺሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ እስራኤል ክዝርጋሕ እዩ።.
ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ሓተቲ ዑቕባ ብከም ዝጸነሐ ደረጃ ሓገዝ ክንገብር ዘይምኽኣልና፣ ከምኡ’ውን ብሃንደበትን ንህዝቢ ነዊሕ ክንህቦ ዝጸናሕና ኣገልግሎትና ንዓጽዎ ምህላውና ብጣዕሚ ዝስማዓና ሓዘን ንገልጽ። ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብዝምልከት፡ ብመሰረት እቲ እስራኤል ኣብ ውዕል ስደተኛታት 1951 ዝኣተወቶ ቃልን ግዴታታትን ኣህጉራዊ ደረጃታት ሓለዋ ንምርግጋጽ ክንቅጽልን ክንሰርሕን ተወሳኺን ኣገደስትን መገድታት ክንረክብ ኢና።
እዚ ሕብረተሰብ ኣብ እዋን ሽግርን ቅልውላውን ዘለዎ ጽንዓትን ውህደትን ንኹላትና ከም ኣብነት መባራትዕን ኮይኑና እዩ፣ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓሸ ማዓልታት ክመጽእ ተስፋ ንገብር።