Close sites icon close
Search form

Search for the country site.

Country profile

Country website

መልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ናብ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ኣብ እስራኤል - ግንቦት 2024

መልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ናብ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ኣብ እስራኤል - ግንቦት 2024

24 May 2024

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራ እናባኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ይከታተሎ ኣሎ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንኹሎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ካብ ዓመጽን ጎነጽን ክቑጠቡን ህዝባዊ ስርዓት ክሕልዉን ይጽውዕ . ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ሕጊ ናይታ ኣዕቊባቶም ዘላ ሃገር ከኽብሩ ግዴታ ከምዘለዎም የዛኻኽር/ይገልጽ።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ዝፍጸም ባእስን ዕግርግርን ብብዙሕ መዳይ ዝጸሉ ኮይኑ፡ ነቶም ብቐጥታ ኣብ ባእስን ዕግርግርን ዝሳተፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝጸሉ እዩ። ዝኾነ ይኹን ናይ ዓመጽ ኮነ ዕግርግር ፍጻመ ንመብዛሕትኦም ሰላማውያን ኣባላት ኤርትራውያን ማሕበረሰብን ነበርትን ኣብ ስርሖም ትጉሃትን ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባን ክጎድእ ይኽእል እዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ዕግርግርን ባእስን ኣብ ዝፍጠረሉ፡ ነቶም ኣብ ዕግርግርን ባእስን ዝተሳተፉ ዝምልከቶ ኣካል ስጉምቲ ክወስደሎም ናብ ፖሊስ እስራኤል ክድውሉን፡ ሓላፍነትን ዓቕልን ብዝመለኦ ኣካይዳ ክኸዱን ካብ ባእስን ዕግርግርን ተቖጢቦም ዘሳሓሕቦም ነገራት ብሰላማዊ መንገዲ ከመሓድሩን ይጽውዕ።